እዋናዊን - ኮሮኖ-ቫይረስ ብዚምልከት ተረጋጊጹ ዘሎ ሓበሬታን
ንኮቪድ-19 ዚምልከት ብእተፈላለዩ ቋንቋታት ዚካየድ ሃገራዊ መስመር ተለፎን
ንምዝርጋሕ ለበዳን ንመርመራን ንኣንጻር ኮቪድ-19 ክታበትን ዚምልከቱ ሓፈሻዊ ሕቶታት ኪምለሱልካ ምስ እትደሊ ናብ 08-123 680 00 ደዉል።
እቲ መስመር ኣብ ናይ ስራሕ መዓልታት ካብ ሰዓት 9 ንግሆ ክሳዕ ሰዓት 3 ድ.ቀ ክፉት ኢዩ። እቲ መስመር ዕጹው ከሎ ምስ እትድውል፡ መልእኽቲ ግደፍ እሞ ኪድወለልካ ኢዩ።
እቲ መስመር ተለፎን በቶም ቋንቋ እንግሊዝን ዓረብን ሶማልን ፋርስን ዳሪን ትግርኛን ኣምሓርኛን ሩስያን ቦስንያን ክሮሽያን ሰርብያን ስጳኛን ዚመልኩ ናይ ጥዕና ኣሳለጥትን ናይ ጥዕና ሓበርትን ኢዩ ዚካየድ። እቲ እተፈላለዩ ቋንቋታት ዚጥቀም ናይ ተለፎን መስመር፡ ብምትሕብባር በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕናን ወረዳታትን ኢዩ ዚካየድ።
እቲ ናይ ተለፎን መስመር ነቶም ንኮቪድ-19ን መርመራን ክታበትን ዚምልከቱ ሓፈሻዊ ሕቶታት ጥራይ ኢዩ ዚምልሽ።
ባዕልኻ ወይ ድማ ኣብ ጥቓኻ ዘሎ ሰብ ምስ ዚሓምም፡ ናብ 1177 ደውል። እቲ ኩነታት ኣስጋኢ ምስ ዚኸውን ድማ ናብ 112 ደውል።
ሕማም ምስ ዚስመዓካን ናይ ኮቪድ-19 ምልክታት ሕማም ምስ ዚረኣየካን፡ ኣብዘን ዚስዕባ ገጻት ብዛዕባ ኣብቲ እትቕመጠሉ ቦታ ብዚምልከት እቲ መስርሕ መርመራ ከመይ ከም ዝኾነ ብተወሳኺ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ንክታበት ዚምልከት ቆጸራ ክትሕዝ ምስ እትደሊ፡ ኣብ 1177.se ኣቲኻ ነቲ ወረዳኻ ምረጽ። ኣብኡ ድማ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብቲ ወረዳኻ እንታይ ከም ዘገልግል ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።